0
ኣብ መላእ ዓለም፣ ኣብ እዋን ድቃስ ዝቐርቡ ዛንታታት ልሙድ ኣተዓባብያ ብዙሓት ህጻናት እዮም። ካብቶምዛንታታት ሓደ “ንሃርስያ ንሃርስ” ዝብል ኮይኑ፣ ኣዴታት ትግራይ ደቀን ንምድቃስ ይጥቀማሉ። ታሪኽ እዚ ዛንታ፥ጉዕዞ ሓደ ንእሽተይ ወዲ የዘንትው።
ሓደ ኣዝዩ ዝጠመየ ዝብኢ፣ መግቢ ከናድይ ካብ ጉድጓዱ ወጽአ። ጥሜቱ ንኸዕግስ እንታይ ክገብር ገበረ? ኣብቲ መጽሓፍ ክትረኽብዎ ኢኹም።
ኣብርሃለይ ፃዕራም ወዲ እዩ። ወለዱ ንሓድሽ ናይ ትምህርቲ ዓመት ዝኸውን ሓድሽ ጫማ ገዚኦምሉ። ምስ እዛቀጠልያ ኮንጎ ጫማ ዘሕልፎ እዋን ዓመት ትምህርቲ ኣብቲ መፅሓፍ ክትረኽብዎ ኢኹም።
ፀጋ ንሓወልትታ አክሱም እንትትሓውፅ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ብዛዕባ እቲ ናበይ ከምዝወስድ ዘይፍለጥ መንገዲ ናይ ምፍላጥ ድሌታ ዝለዓለ ነይሩ። ምስ ክልተ መሓዙታ ከዓ ነቲ መንገዲ ምንዳይ ጀሚራ አላ። ናበይኮን ይወስደን ይኾን ?
ርእሶም ኣብ እዋን ዕረፍቲ መንፈቕ ዓመት ናብ ኣዳማ ክኸይድ ተሃንጥዩ ኣሎ። ኣብ መውፅኢ ኣዲስ ኣበባ ዝወደቐፈረስ መንገዲ ዓጽዩ ምንቅስቓስ (ትራፊክ) ደው ኣቢሉ ምስ ረኣየ ግን ኣዝዩ ሓዘነ። ኮይኑግና ንቦንቱ ኣብ ኣዳማምስረኸባ ኩሉ ነገር ተቐያይሩ። እንታይ ኮን ይገብሩ ይኾኑ?
ጉዕዞ ሰለስተ መሓዙት ቀፂሉ ናብ ወደብ ቀይሕ ባሕሪ በፅሐ። ኣብ ከይዲ ጉዕዞአን፣ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ሓደስቲ ፀጋታትን እናዳህሰሳ እንትግስግሳ ሓቢርኩምወን ክትጐዓዙ ፈትኑ። ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን ኩነታትን ብዛዕባ ዝህልው እዋን ምሕዝነት እውን ተመሃሩ።
እቶም ደድሕሪ ሓንቲ ፅንብላሊዕ ስዒቦም ናብ ዱር ዝኣተዉ ህጻናት፣ እታ ፅንብላሊዕ ካብ ዓይኖም ክሳብ እትጠፍእደድሕሪኣ ክስዕቡ ድሕሪ ምፅንሖም ናብ ገዝኦም ዝምለሱሉ ኣንፈት መንገዲ ጠፍኦም። ተመሊሶም ናብ ገዝኦምይበጽሑዶ ይኾኑ?
ጫልቱ ምስ ሓማታ ዝነበራ ርክብ እናተበላሸወ ኣብ ሕማቕ ብርኪ በፅሐ። ሓደ ሕማቕ ሓሳብ ኣብ ኣእምሮኣእንትመላለስ ነገራት እውን በብእዋኑ ተቐያየሩ። መወዳእትኡ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
ትፍቶን ህድኣትን ንየውን ነጀውን ሩባ መረብ ተወሊደን። እዘን ክልተ መሓዙት ምቁር እዋን ቁልዕነተን እንተሕልፋኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ፈላልዩወን።ተፈላልየን ዶ ይቐርያ ይኾና ወይስ ክራኸባ እየን? ምሉእ ታሪኸን ኣብዛ መፅሓፍ ክትረኽብዎ ኢኹም።
ኣንጀባ ኣብ እትበሃል ዓዲ ዝነብሩ ሓደ በዓል ሃፍቲ፣ ብዛዕባ ዓርሶም ዝርእዩሉ መነፀርን ጉዕዞ ህይወቶምን ኣብዛመጽሓፍ ክትረኽቡዎ ኢኹም።