0
ኣብ መላእ ዓለም፣ ኣብ እዋን ድቃስ ዝቐርቡ ዛንታታት ልሙድ ኣተዓባብያ ብዙሓት ህጻናት እዮም። ካብቶምዛንታታት ሓደ “ንሃርስያ ንሃርስ” ዝብል ኮይኑ፣ ኣዴታት ትግራይ ደቀን ንምድቃስ ይጥቀማሉ። ታሪኽ እዚ ዛንታ፥ጉዕዞ ሓደ ንእሽተይ ወዲ የዘንትው።
ፀጋ ንሓወልትታ አክሱም እንትትሓውፅ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ብዛዕባ እቲ ናበይ ከምዝወስድ ዘይፍለጥ መንገዲ ናይ ምፍላጥ ድሌታ ዝለዓለ ነይሩ። ምስ ክልተ መሓዙታ ከዓ ነቲ መንገዲ ምንዳይ ጀሚራ አላ። ናበይኮን ይወስደን ይኾን ?